The Day Eritrea Liberated (Lyric)
The Day Eritrea Liberated (Lyric)
"ተዘክሮታት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ"
ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ ክቅመጥ ከሎኹ፡ ንሓደ ዓርከይ " እዛ ሽጋራ መዓስ ኢኻ ትገድፋ?" ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ትቅብል ኣቢሉ፡ " ኤርትራ ሓራ ክሳብ ትወጽእ ኣይገድፋን ኢየ" በለኒ።
ኤርትራ ብግንቦት 24/1990 ሓራ ወጺኣ።
ዮሃና!!!
ናብ ጆርጂያ ስለ ዝገዓዝኩ፡ ኣይተራኸብናን። ስለዚ'ውን ምትካኽ ምግዳፉ ብወረ-ወረ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።
ካልእ ዓርኪ እውን " ኤርትራ ክሳዕ ናጻ እትወጽእ ኣይምርዖን ኢየ" በለኒ። ሓቁ፡ ቅሳነት ስለ ዝሰኣነ። ድሕሪ ሓርነት ግና ክምርዖ ተስፋ እገብር።
ብሓቂ ብሓቂ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ህይወት ክትሰምዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ጥራይ ከይኰነስ፡ ኣብ ዘዝነበሮ ቦታን ግዜን ሃሙኡ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰረ ከም ዝነበረ የረድኣካ። በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ሜዳ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን "ንሳውራ" ተመርዕየን "ናጽነት" ከም "ሓድጊ" ወይ "ውላድ" ዝርእያ ክትፈልጥ፡ ተወፋይነትን ይገርመካ።
ከምኡ'ውን ደቂ-ተባዕትዮ ተጋደለቲ።
ግን ህይወት ተጋዳላይ ምስ ናጽነት ምምጻእ ኣይዛዘመን። ብግዜ ቃልሲ ዀነ ድሕሪ ናጽነት ወጠርትን ወሰንትን ዝዀኑ ፈተነታት ህይወት ተጓኒፎሞ ኢዮም። ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ድሕሪ ነታ ኣዝዩ ዘፍቅራ ጓል ምሕጻይ፡ ኣብ ሜዳ ይስለፍ። እታ ሕጽይቱ'ውን ድሕሪ ብዙሕ ምጽባይ፡ እግሪ-እግሩ ናብ ሜዳ ትስዕቦ። ትራኸቦ። ግን ምስ ግዜ ምሕላፍ፡ ካልእ ተመርዕዩ ከም ዝወለደ ክነግራ ዝስምዓ ጓሂ መዘና የብሉን። የግዳስ ይቅረ ትብለሉ። ግን ንሱን እታ ዝወለደላን ኣብ ግዜ ምሕራር ኤርትራ ምስ ተሰውኡ፡ ባዕላ ንውላዶም ከተዕብዮ ቃል ትኣቱ።
ድሕሪ ናጽነት ናብ ወለዱ ከይዳ ከም እተስውኤ ክትነግሮም፡ በቲ ሓደ ወገን ሒዛቶ ዝመጸት ወዲ-ወዶም ክተርእዮም ዝተሰምዖም ጓሂን ሓጐስን ክሳብ ክንደይ ኣዋጣሪ ምዃኑ ይፍለጠና።
ከምኡ ሓደ ደራሳይ ኣብ " ዘይጽንቀቕ ዓቅሊ" ዝብል መጽሓፉ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ተጋዳላይ ድሕሪ ናጽነት ናብ'ታ ዝተወልደላ ዓዲ ክበጽሕ ይኸይድ። ማዕጾ እንዳኳሕኰሐ " ኣቱም ሰብ ገዛ..!" ኢሉ ይደሃይ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ " ኣንታ ካብቶም ዝኣተው ደቅና ዲኻ? ንዓ ማይ ስተ! እቶ!" ይብልኦ። ንሱ ግና ኣብ'ቲ ኣፍ ማዕጾ ጠጠው ኢሉ " እዝጋሃርያ ከመይ ኣላ?" በለን። ንሰን "ኣንታ ወደይ ድሓን ኣላ። እቲ ሒማኣ ናብ በረኻ ድሕሪ ምእታው፡ ብዙሕ ተጸብያቶ፡ ኣይተመልሰን። ስለዚ ካልእ ተመርዕያ ኣርባዕተ ቆልዑት ወሊዳ። እንታይ ይገበር። ንሱ ተስፋይ ምሕረትኣብ ኢዩ ዝበሃል። ደሃዩ'ዶ ኣሎካ?" ኢለን ሓተታኦ። ንሱ " ብጻይ ተስፋይ ድሓን ኣሎ " በለን። ግን ንሱ ባዕሉ ሰብኣይ ጓለን (ሒማኣ) ምዃኑ ኣይፈለጣን። ምኽንያቱ ገጹ ብመውግኣትን ብማህረምትን በሰላ ስለ ዝነበሮ ከለልይኦ ኣይከኣላን። ብዝተረፈ እዚ ተጋዳላይ እታ ብሃንቀውታ ክርእያ ዝጽበ ዝነበረ ሒማኡ፡ ብኣጋጣሚ ሓማቱ ከም ዝተመርዓወት ክነግሮኦ ከለዋ ዝተሰምዖ ንኣንበብቲ እገድፎ። ግን ደራሳይ ከም ተጋዳላይ መጠን ነቲ ዝወረዶ ተሞክሮ ህይወት ሳላ'ቲ ዘይጽንቀቕ ዓቅሉ ክብድሆ ከም ዝኸኣለ የተሓሳስበና።
ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጽሒፍካ ኣይውዳእን ኢዩ። ግን በብግዚኡ ክጸሓፍ ኣለዎ። ዝኽሪ ኢዩ። ብሕልፊ ተጋደልቲ ካብ ምሒር ትሕትና ዝኣክል፡ በቲ ሓደ ወገን ካብኦም ሓሊፉ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ተጋዳላይ ስለ ዝርእይዎ፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ቅያኦምን ምዝራብ ኣዝዩ ዘሰክፎም ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። ግን ታሪኽ ከም ናይ ሓደ ወለዶ ፍጻሜ፡ ንመጻኢ ወለዶ ብወርሲ ዝመሓላለፍ ነባሪ ቅርሲ ኢዩ።
ናብ ናጽነት መዓልቲ ኤርትራ ክምለስ!
እንተ ዓርቢ ወይ ቀዳም ኣጋምሸት ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ። ደቂሰ ኢየ ነይረ። ዓርከይ ረዘነ ተወልደ ደዊሉ " ኣስመራ ሓራ ወጺኣ! ናብ ኣትላንታ ምኻደይ ኢዩ" በለኒ። ኣነ እንዳባዕገግኩ " የይ! የይ!" በልኩ። ብሓጐስ ብስራት ዝኣክል ስልኪ ኣብ ርእሲ ስልኪ ጻውዒት በጽሓኒ። ብጻይ ኤልያስ ኣማረ " ኤርትራ ሓራ ካብ ወጸት ዘይትግጥም" በለኒ። ካብ ብርቱዕ ስሚዒትን ተዘክሮታትን ዝኣክል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ገጠምኩ፡-
ጥቅስታት፡-
1. Kolmodin, J. (1912). Traditions de Tsazzega et Hazzega. P. 263. ትንቢት ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኢዩ ዘመልክት።
2. Rossini, C.C.(1938). Proverbi Tradizioni e Canzoni Tigrine. Roma.
3. ዝክረ ባጽዕ ተመልከት።
4. ቅድሚ ናጽነት ገሊኦም ኤርትራውያን (next year in Asmara) ክብሉ ይስምዑ ነበሩ። እዚ ብሂል ምስቲ እስራኤላውያን next year in Jerusalem ዝብልዎ ዝሰማማዕ ኢዩ።
-ሃይለ

Post Comment