Eritrean Police Arrest a Gang of Robbers in Asmara
ኣቶ ወልዳይ ኣብርሃ ኣብ ብጸላም ዝተጎብአ ለይቲ፡ ኣብ ደረት ጽርግያ ኮይኑ፡ ነዊሕ ምብራህቲ ወልዓ ናብኡ ገጻ ትጉዓዝ መኪና ብማዕዶ ተዓዘበ።
“ እዚኣስ ትማልኣኒ ግዲ ትኽውን!…. እዝጊ ይፈልጥ!…. ንመን ኢልዎ!“
መታዓልልቲ ዘለዎ ክመስል ምስ ነብሱ ኣጉጀምጀመ። ኣቐዲመን ክልተ ኣውቶቡሳት ጥሒሰንኦ ስልዝሓለፋ’ዩ ከኣ፡ ምስ’ዛ ሳልሰይቲ መኪና ክቐንዖ እምነቱ ኣብ ኣምላኹ ዘንበረ።
ኣቶ ወልዳይ ነባር ሸዋጣይ’ዩ። ኣስመራ ኣምጺኡ ዝነግደሎም ኣብዑር ካብ ከረን ንምዕዳግ’ዩ፡ ዓዲ ኣበይቶ ካብ ዝርከብ መንበሪኡ፡ መሬት ከይብርሀ ተንሲኡ መጉዓዚያ ንምርካብ ናብ ጽርግያ ዝወጸ። እዛ ክትማልኦ ምሉእ ተስፋ ዘሕደረላ መኪና ግን፡ ኣውቶቡስ ዘይኮነት ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ዝርከቡ ኣርባዕተ መንእስያት ዘሳፈረት፡ ቶዮታ ዛዓይነታ ኮድ ሓደ መኪና’ያ ዝነበረት። ኣብ ጥቕኡ ምስቐረበት መራሕ መኪና ደው ክብለሉ’ሞ ” በጃኻ ተማልኣኒ!“
ኢሉ ክልምኖ የማናይ ኢዱ ኣወዛወዘ። እንተኾነ፡ እዚኣ`ውን ከም ዝቐደማ ብናህሪ ስለዝሓለፈቶ ” እንታይ ዝበለ ተካል ለይቲ’ዩ!…ዶ’ምበር ሎምስ ክቐንዓኒዩ?“ ብኹነታትመገሻኡ ተጠራጠረ።
ይኹን’ምበር፡ እታ ዝሓለፈቶ መኪና ኣንፈታ ናብ ኣስመራ ገጻ ብምቕያር፡ ካብ ዝተወሰነ ርሕቀት ተጠውያ ከም ብሓድሽ ንዓዲ ኣበይቶ እናተሓምበበት ተመልሰት። እቲ ህሞት ጸላም ብምንባሩ፡ እታ ኣቐዲማ ዝሓለፈቶ መኪና ምኳና ክስተብህል ዝይከኣለ ኣቶ ወልዳይ፡ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ደው ንኽትብል ድሕሪ ምምልካት ” ተማልኡኒ’ንዶ ሓተተ፡ ብዝተራዝሕወ ቬትሮ ማዕጾ መኪና፡ ንመራሕ መኪና እናጠመተ።
“ ሕራይ ተሰቐል ንዓናይ ” መራሕ መኪና መለሰ፡ ብየማናይ ኢድ ስፖርቴሎ እንዳኸፈተ።
ኣቶ ወልዳይ ማዕረ መራሕ መኪና ብቕድሚት ተሰቅለ።
መራሕ ቀዳማይ ማርሻ የእትዩ ድሕሪ ምብጋስ ” ንከረን እንዲኻ ሓቀይ? “ ሓተቶ ብፈገግታ።

Post Comment