 |
Eritreans holding a memorial service for the Lampadusa drowning victims |
ኤርትራውያን ማሕበረ/ኮማት ኣብ ኢጣልያ
ዓመታዊ ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱዛ ዘኪሮም።
ኣብ 15 ከተማታት ዝርከባ ማሕበረ/ኮማት ኢጣልያ ነቲ ዓሚ ብዕለት 03/10/2014 ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፔዱዛ ናይ 366 ጥፍኣት መንእሰያትና ዘጋጠመ ኣሰቓቒ ሓደጋን ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ባሕሪ መዲተራንያንን ኣብ ምድረበዳ ሲናይን በብግዚኡ ዝጠፍኡ ሰንበት ዕለት 28 መስከረም 2014 ብሕልና ብሓባር ዘኪሮም።
ነዚ ብናይ ወጻኢ ውዲታት ዝተኣልመ ብዘይጭበጥ ተስፋን ሓሶትን ተታሊሎም: ንኽብርቲ ዓዶምን ዘፍቅርዎም ስድራቤቶምን ህዝቦምን ገዲፎም ኣብ ናይ ምዕራብ ሃገራት “ናይ ሕልሚ ገነት” ክነብሩ ብሓደገኛን ዘይውሑሱን መገዲ ኣቓሪጾም ንኽሰግሩ በብዓመቱ ግዳያት ጨወይቲ ደቂ ኣዳምን ፍልሰትን ጥፍኣት ኣብ ባሕሪን ዝኾኑ ዘለዉ: ብሕልናን ጸሎትን ብምዝካር: ብሓደ ቃል ነዚ ሞትን ጥፍኣትን መንእሰያትናን ደቅናን ደው ንኽብልን ነቶም ብስስዐ ዓይኖም ዓዊሮም ብደም የሕዋቶም ኤርትራውያን ዝነግዱን ዘሳግሩን ዝተሓባበሩን መሳርሒ ጸላኢ ዝኾኑ ዘለዉ ብምኹናን የእዳዎም ንኽእክቡ ጸዊዕም።
ናይ ላምፔዱዛ ሓደጋ ንስድራቤት ወለድን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ዘሕዘነን ዘቖጥዐን ፍጻሜ ብምንባሩ ኣብ ዝኽሪ ኩላትና ኤርትራውያን ሕማቕ ስንባደ ኣትሪፉ ኢዩ። ኣብ ሳልስቱ ብዕለት 06 ጥቅምቲ 2013 ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝርከባ ማሕበረ/ኮማትናን ቤተ ምእመናን ብሓደ ግዜ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጀን ሽምዓ ወሊዕን ብብኽያትን ናይ ሕልና ጸሎትን ኣብጺሐን ኢየን: መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 09/ጥቅምቲ/2013 ብኣብ ኢጣልያ ዘሎ ኤምባሲኡ ንኹሎም ሬሳታት ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንኽቕበሩን ኩሉ ወጻኢታት መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝሽፍኖን መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ኩላትና ንዝክሮ ኢና። እንተኾነ መንግስቲ ጣልያን ብጉልባብ መረጋገጺ ናይ ዲ.ኤን.ኤይ(D.N.A) ካልእ ናይ ቤት ፍርዲ መጽንዓትን ክንገብር ኢና ብምባል ሬሳታት ደቅና ክሳብ ሎሚ ጅሆ ሒዝዎ ስለ ዘሎ: ጌና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጌና ኣብ ክርክር ይርከብ ።
ናይ ላምፔዱዛ ሓደጋ ኣሰቓቒ ይኹን እንበር ናይ መጀመርያ ጥፍኣት ከም ዘይነበረ ጌና ውን ዝቕጽል ዘሎ ተርእዮታት ኢዩ። በብግዚሑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኣሽሓት ኣፍሪቃውያንን ብምድረበዳን ባሕርን ረዳኢ ዘይብሎም: ብፍላጥ ዝተገብረ ግዳያት ሞትን ጥፍኣትን መሸጣ ናውቲ ኣካላትን ኮይኖም ኢዮም። እዚ ከኣ እቶም ኩሎም ዓመጽትን ገዛእትን መታን ሃብታ ክግብቱ ዝብልዎ ንኤርትራ ይኹን ንኣፍሪቃ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን ኢዩ ዝብል ስዉር ፖሊስኦም ንምትግባር ንሓንጎልን ጉልበትን መንእሰያት ኣፍሪቃ መጽዮም የጥፍእዎም ኣለዉ: መንእሰያት ኤርትራውያን ክኣ ግዳይ ናይዚ ስዉር ምስጢራዊ ፖሊሲ ምዕራባውያን ኮይኖም ይርከቡ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ገማግም ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባ ዓድታት ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት: ንጽባሕ ንኤርትራ ንኸይኮንዋ ተባሂሉ ትምህርቶምን ጉስነቶምን ገዲፎም ጥሪቶምን ከብቶምን ሸይጦም ብመሬት ኢትዮጵያ ብትግራይ ሰጊሮም ናይ መብዛሕትኦም ከፋሊኡ ብዘይፍለጥ ብጸላእቲ ብስቱር ብዝተወደበ ብገማግም ሱዳን ሊብያ ኣቢሎም ኣብ ዝሓጸረ ኣብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብማዕበል ተጸፊዖም ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ዕለታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ ። ምዕራባውያን ጸላእቲ ንኤርትራውያን ፍሉይ ሓልዮት ከም ዘለዎም ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ብፍሉይ ተቐበልዎም ስለ ዝብሃል: ካልኦት ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ሱዳናውያን ሶማላውያን ካልኦት ኣፍሪቓውያን ውን ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ብዘይመረጋገጺ ዕቑባ ክሓቱን ክቕበልዎምን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝሕዝን ከኣ ካብዚ ኩሉ ሓደጋ ኣምሊጦም እቶም ኣብ መሬት ዝረግጹ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓልዮት ናይ መንበሪ ገዛ ስራሕ ትምህርቲ ወዘተ ስለ ዘይግበረሎም ኣብ ኣስሓይታን ቁሪን ኣብ ክፉት ጎልጎል ተደርብዮም ኣናሓደሩ: ለማኖ ተቐይሮም ኣብ እንዳኣቕሽሽቲ ተሰሪዕም መግቢ ክምእርሩ ኣዴታቶም ኣይርኣያ ዘብል ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብዙሓት ብጣዕሳ ክበሳጨዉን ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገማት ከጋጥሞምን ሓሓሊፎም ውን ህይወቶም ባዕሎም ከሕልፉ ምርኣይ ከም ንቡር ኣናተወስደ መጺኡ። ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቆንስል ኣመሪካ ውን ንኤርትራውያን ከም ሓላይ ተመሲሉ ነጻ ቪዛ እንሃበ ካብ ሃገሮም ንኽጠፍኡ ይዕድም ኣሎ።
ስለዚ እዚ ብማሕበረኮማት ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝተገብረ ዓመታዊ ዝኽሪ: ኩሉ ኤርትራዊ ንቕሓቱ ኣበሪኹ: ንጥፍኣቱ ዝተፍሓሰ ተንኮል ምዕራባውያን ተረዲኡ: ብሓደ ቃል ተቓውምኡ የስምዕ ኣሎ።
ይኣክል ንመንእሰያት ምትላል ! ይኣክል ንስደት ! ይኣክል ንሞት ንጥፍኣት ! ይኣክል ብሬሳታት የሕዋትካ ምሽቃጥ !
ድምጹ ብምስማዕ ጻውዒቱ ብምሕዳስን ንኹሉ ተጻይ ተግባራን ፍልሰትን ንግዲ ደቂ ኣዳምን ኮኒኑ።
ዓወት ንሓፋሽ !!
ማሕበረ/ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኢጣልያ።
[click on image to enlarge]
Sponsored Ads
Post Comment