Top Ad unit 728 × 90

.

Festival Eritrea and its Valuable Lesson


Eritrean Festival in Sweden


ፈስቲቫላትና ምልክት ሓድነትና፡ ጽንዓትና፡ ህልውናና፡ መንነትና
ብዑቑባዝጊ ኣባይ


ፈስቲቫል ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ዝተወስደ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፌስታ ዝብለ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ፌስታ ክበሃል ከሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝበዓል ፍጻሜ እዩ። ዝኽሪ ኣውደ-ኣመት፡ ናይ ልደት በዓል፡ ዝኽሪ ናይ ቀውዒ፡ ዝኽሪ ናይ ሃይማኖት፡ ከምኡ ድማ ናይ ሓደ ፖለተካዊን፡ ማሕበራዊን ጉዳይ፡ ብምትእኽኻብ ዝበዓል ፌስታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡ ነቲ በዓል፡ ኣብ ዓመት-ዓመት የብዕልዎ። ምልክት ህላዌኦም ከምዝዀነ ድማ የረጋግጹ።

ደቂ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ዓመት ዘፍረይዎን፡ ዝፈጸሙዎን፡ ዝተዓወቱሉን ንምዝካርን፡ ንምብዓልን፡ ፉሉይ ጊዜን ቦታን መዲቦም ብፌስታ ገይሮም ይገልጽዎ። ምልከት ሓጐሶም፡ ተስፋኦም፡ ፍንጣዜኦም፡ ህላዌኦምን ድማ ይኸውን። ንሕና ብልማድ፡ ነቲ ቃል ከምዘለዎ ወሲድና፡ ፈስቲቫል ኢልና ብትግርኛ ንጥቀመሉ ኣሎና። ፈስቲቫል ንኤርትራውያን ልሙድ፡ ዓመታዊ ምትእኽኻብ፡ ምትሕቑቛፍን ዝፈጥር ህዝባዊ በዓል ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ፈስቲቫል፡ ንኤርትራውያን መቐጸልታ ህላዌ፡ መኸተ፡ ጽንዓት፡ ምትእኽኻብ፡ ምትሕቑቛፍ፡ ምዕብሌ፡ ህንጸትን፡ ናጽነትን ኰይኑ ንረኽቦ።

ነዚ ኣርእስትና ንምግላጽን ምስፋሕን፡ ፈስቲቫል ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ መዓስ ተጀሚሩ? እንታይ ነይሩ ዕላማኡ? እንታይከ ኣፍርዩ? ፈስቲቫል ንኤርትራውያን እንታይ ትርጉም ይህቦም? ከምኡ ድማ ብድሕሪ ሕጂ እንታይ ንጽበ? ዝብሉ ሕቶታት ክንምልስ ኢና።

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳን፡ ሰሜን ኣመሪካን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ሃገራውያን፡ ሓፋሽ ውዱባት፡ ግዱሳትን፡ በቲ ”ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ”! ዝብል ጭርሖ ህዝባዊ ግንባር ተደሪኾም፡ ንሰውራ ሃገሮም፡ ናጽነት ኤርትራን ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ጉልበቶም፡ ገንዘቦም፡ ጊዜኦም ብምውፋይ፡ ሰውራ ኤርትራ ንኽዕወት ለይቲ ምስ መዓልቲ ተጊሆም ይሰርሑ ነይሮም። ተዓዊቶም ድማ! ፍረ ጻምኦም ረኺቦም!

ኩላትና ከምእንፈልጦ፡ ቀዳማይ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ብ1974 ኣብ ቦሎኛ፡ ኢጣልያ፡ ብወግዒ ተጀሚሩ። ድሮ 40 ዓመት ኣቑጺሩስ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2014፡ መበል 40 ዓመት ተባዒሉ። ዝነኣድ ፈስቲቫል እውን ነይሩ! እዚ ሓደ ዘይርሳዕ፡ ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ሰውራ ኤርትራን፡ ታሪኽ ኤርትራን፡ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራን እዩ። ኤርትራዊ ኒሕ ዘይሕለል፡ ተስፋ ዘይቈርጽን፡ ዘይምብርከኽን ከምዝዀነ፡ ፈስቲቫል ቦሎኛ ኣመስኪሩ እዩ።

ኤርትራውያን ሃገራውያን፡ ንህዝቦም ዘፍቅሩ፡ ዝሓልዩ ደቂ ሃገርን፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምትኣኽኻብ ጀሚሮም። ከምዝዝከር፡ ኣብ መጀመርያ 1970ታት፡ ተማሃሮን፡ ሰራሕተኛታትን ዝነበሩ “ኤርትራውያን ንናጽነት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤናሰአ)” ብዝብል ስም ንሰውራ ክሕግዙን፡ ኣኼባታት ከካይዱን ጀሚሮም። ”ኮንግረስ” ብዝብል ኣጸዋውዓ፡ ዓመታዊ ኣኼባ የካይዱ ነይሮም። ጥርናፌኦምን፡ ሓድነቶምን እውን ጽቡቕን፡ ዝነኣድን ነይሩ። ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ግንባርን፡ ሰውራ ኤርትራን ብምዃን፡ ሓገዝ ንሰውራ ይህቡን፡ የወፍዩን ነይሮም። እንተዀነ ግን፡ በቲ ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ህዝባዊ ግንባርን፡ ሰውራ ኤርትራን፡ ብምትእትታው ሶቬት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያን፡ ስለዝተሰናበዱ፡ ዝበዝሑ፡ ንሰውራ ምድጋፍ ገዲፎም፡ ኣብ መወዳእታ 1978 ፋሕ-ፋሕ ኢሎም። ካብኦም ዝተረፉ ግን፡ ”ጸግዕና ምስ ሰውራናን፡ ህዝብናን” ብዝብል፡ ጉዕዞ ምስ ህዝባዊ ግንባር ቀጺሎም። ሓድሽ ምትእኽኻብን፡ ስርርዕን ተገይሩ። ኣብ መጀመርያ 1980ያታት፡ ሓፋሽ ወድባት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ክምዕብላ፡ ክጥርነፋን፡ ክሕይላን ጀሚረን። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንፈስቲቫል ኤርትራ ክወልድ ክኢሉ። መቐጸልታ ሃገራዊ ቃልሲ እውን ኰይኑ! ምስክርነት ጽንዓትን፡ ሓቦን እውን ተባሂሉ! ብሓጺሩ፡ ፈስቲቫል ምልክት ህላዌ ኤርትራውያን እዩ!

ካብዚ ዝተላዕለ፡ ኣብ መፋርቕ 1980ያታት፡ ብጻዕሪ፡ ሓልዮት ሃገራውያን፡ ሰውራውያን፡ ኤርትራውያንን፡ ግዱሳት ደቂ ሃገርን፡ ፈስቲቫል ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ንኽጅመር ጽዒሮም። ተዓዊቶም ድማ። እንሆ እምበኣር ሎሚ፡ ኣሰር ቦሎኛ ብምኽታልን፡ ብምስዓብን፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዳርጋ ን30 ዓመታት ዝኸውን ፈስቲቫል ተባዒሉ። እዚ እውን ዘሐብን ፍጻሜ እዩ። እቲ ጉዕዞ ቀጻሊ እዩ! ምዕብልቲ፡ ስልጥንትን፡ ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ እዩ እቲ ዕላማ! ነዚ ካልእ


መተካእታ የብሉን! ዝዳረጎ ጉዳይ እውን የልቦን! ኤርትራ ንኽትምዕብል፡ ንኽርህዋ፡ ህዝባ ንኽሓልፈሉ፡ ውዳቤ፡ ንቕሓት፡ ዕጥቂ፡ ጥርናፌን፡ ጽንዓትን የድሊ። ሓደ ሰብ፡ ወይ ወዲ ሃገር፡ በዚአን እንተዘይተሃኒጹ፡ ህልውናኡ ዘጠራጥር እዩ ዝኸውን። ከም ሰብ እውን “ኣሎኹ” ክብል ኣይግባእን!

ስለዚ፡ ፈስቲቫል ንኤርትራውያን፡ ብውሕዱ፡ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ንገራት ይምህር፡ የዘኻኽር፡ ይሕብርን፡ ይእምትን፣

1. ምልክት ጽንዓት            9. ጀግንነት                 17. መስዋእቲ
2. ፍቕሪ                       10. ተባላሓትነት            18. ተጸዋርነት
3. ሓድነት                     11. ሓቦ                     19. ሃገራውነት
4. ሓቂ                         12. ሕብረት                 20. ወዳበ
5. ርእሰ-ተኣማንነት           13. ክብረት                  21. ዕጥቂ
6. ተወፋይነት                 14. ትግሃት                  22. ሰለም
7. መኸተ                      15. ንቕሓት                  23. ትዕግስቲ
8. ኒሕ                         16. ሓልዮት                  24. ምዕባሌ



እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋን፡ ካልኦት ምልከት ሃገራዊ ሕብረት ዝዀናን፡ ንኤርትራውያ ምልክት ወርቂ ስልማቶም እየን። ክብሮም እየን። ካብዚኤን ሰተት ዝብልን፡ ዝህውትትን፡ ብዘይ ጋንጽላ ኣብ ሰፊሕ ባሕሪ ከምእትንሳፈፍ ጀልባ ወይ መርከብ እዩ! ከምኡ እውን ከምዓረቢያ እትደፋእን፡ ከምሪሞርክዮ እትጐታትን እዩ! ከምዚ ዝገብር፡ ኣብ ዕለታዊ ናብርኡን፡ ህይወቱን፡ ክዕወትን፡ ክሰልጦን ኣይክእልን እዩ! ቅሳነት ዘይብሉ ናብራ እዩ ዝነብር።

ፈስቲቫል ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ርክቡ ምስ ሰውራ ኤርትራ ሰለዝገበረ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ዓመት-ዓመት ካብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ናብ ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ክመጹ ጀሚሮም። ብጊዜ ፈስቲቫል ድማ ኩነታት ሰውራ ኤርትራን፡ ሓፋሽ ውድባትን፡ ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ከመይ ከምዘሎ ብመልክዕ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ሰፊሕ መግለጺ ንተሳተፍቲ ፈሰቲቫል ይህቡ ነይሮም። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ሓፋሽ ህዝቢ እውን ብዛዕባ ኩነታት ሰውራኡን፡ ታሪኽ ሃገሩን፡ ቃልሲ ህዝቡን ክሰምዕ ከሎ፡ ብሓጎስ፡ ተስፋ፡ ሓቦን፡ ጽንዓትን ልቡ ይመልእ ነይሩ። ንሃገራዊ ቃልሱ እውን ድርዒ ኰይንሉ። ጉጅለ ባህሊ ካብ ሜዳ ብምምጻእ እውን ንህዝቢ ኣዛናጊዓ፡ ባህላዊን፡ ሰውራዊን ደርፍታት ድማ ተቕርብ ነይራ። እዚ ባህላዊ ጽንዓትን፡ ሓቦን ፈጢሩ። ኤርትራዊ ብባህሉ ይሕበንን ይዀርዕን እዩ። ምሕላው ባህሊ፡ ምልከት ህላዌ እዩ። ባህሊ፡ እንታይነትካን ሰብእነትካን የፍልጠካ!

በዚ ኣገባብ፡ ፍስቲቫል ኤርትራ ክሳብ ዕለተ-ናጽነት ቀጺሉ። ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብ 1991፡ ጽባሕ ናጽነት፡ ብዝዓበየ ድመቀት ተኸቢሩ። ካብ ኤርትራ ዝመጸት ጉጅለ ባህሊ፡ ”ጸሓይና በሪቓ”፡ “ወጋሕ ትበል ለይቲ” ብዝበል፡ ባህላዊ ትልሂት ተኻይዱ። ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ጎበዝ ምስ ጐርዞ ድማ ትንፋስ ናጽነት ኣተንፊሶም። ብርሃን ናጽነት ርእዮም። ዘሊሎም፡ ተሓጒሶም፡ ሳዕሲዖም፡ ተሰዓዒሞም። ”እንቋዕ ኣሐጐሰና” ተባሃሂሎም። ሃንቀውታ ልብን፡ ድልየት ኣእምሮን ተፈጺሙ! ዓወት ኰይኑ! ኣብ ኤርትራ ሰላም ነጊሱ። ጸላኢ ተባሪሩ! ዘመነ-ምረት ተወዲኡ!

ፈስቲቫል ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሰሜን ኣመሪካ ንዝመጹ ኤርትራውያን ተአንግድ ነይራ። ሕጂ እውን ተአንግድ ኣላ። ብሰንኪ ራሕቂ ቦታ ግን፡ ካልኣይ ፈስቲቫል፡ ንኣብ ካሊፎርንያን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣመሪካን ዝርከቡ ዜጋታት ዝኸውን፡ ኣብ ኦክላንድ፡ ካሊፎርንያ፡ ክበዓል ጀሚሩ። እዚ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን እዩ። ካብቲ ናይ ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ዝፈልዮ፡ ናይ ቦታ ለውጢ እምበር፡ ካልእ ፍልልይ የብሉን። ስለዚ፡ ኣብ ምዕራብን፡ ሰሜናዊ ምዕራብን ዝርከብ ህዝብና፡ ዝምድንኡ፡ ህላዌኡ፡ ጽንዓቱን፡ መኸተኡን ምስ ህዝቡ ይካፈልን የብዕልን።

ፈስቲቫል ዲ. ሲ. ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ተኻይዱ። ንኣብነት፡ ኣብ ”ሾው ፕለይስ ኣሪና”፡ ኣብ “ኦምኒ ሾርሃም”፡ ኣብ “ኮንቬንሽን ሰንተር”። ሎሚ ዘመን ድማ ኣብ ፓርክ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ፈስቲቫላት፡ ሓቦ፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነትን፡ ሃገራውነትን ኤርትራውያን ዝምስከረሉን፡ ዝጐልሓሉን ጊዜ እዩ። ኩሉ ኢደይ-ኢድካ ዝብለሉ እዩ።

ናጽነት ኤርትራ፡ ብዓቢ መስዋእቲ፡ ብሉጻት ተጋደልትን፡ ሰላማውያን ህዝቢ ዝተሰውኡሉን፡ በጃ ዝሓለፍሉን፡ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ። እዚ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ! ሳላ መስዋእቲ፡ ጽንዓት፡ ጀግንነት ተጋደልቲ፡ ሓፋሽ ውዱባትን፡ ደቂ ሃገርን፡ ኤርትራ ከም ዓለማ ናጻ ሃገር ኰይና ንቕድሚት ትምርሽ ኣላ። እንሆ ድማ ኣብ ኩሉ መጋባእያትት ዓለም3 ተፈላጥነት ረኺባ ኣላ። ናጻ ክትከውን ዘይትድለ ዝነበረት፡ ናጻ ኰይና! ነዚ ሓቅን፡ ፍጻሜን ዘንኣእስን፡ ዝኽሕድን፡ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝሕወስን፡ ዝኹብልልን፡ ኣብ መኣዲ ደቂ ሃገር ግደ የብሉን! ናጽነት ኤርትራን፡ መስዋኣቲ ጀጋኑን፡ ክኽበርን ክዕቀብን ይግባእ። ኣብዚ ሰጋእ-መጋእ ምባል ኣየድልን! ልብኻ ነፊሕካ፡ ብርእሰ-ተኣማንነት ምንባርን፡ ምሱጓምን፡ ምቅላስን፡ ምስራሕን ጥራይ እዩ ዘዋጽእ! “እነ ኤርትራዊ እየ” ምባል ዝኹርዕ እዩ!

ኤርትራዊ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር፡ ዝሓልን፡ ብዛዕባ ምዕባሌ ሃገሩ ዝግደሰን፡ ኣብ ዘሎ ኣልዩ፡ ኩሉ ጊዜ ምስ ተወፈየን፡ ዝድለ ሓገዝ እንዳገብረን፡ ክሳብ ሕጂ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ዕላማ ፈስቲቫል ንህላዌ ኤርትራ ምርግጋጽን፡ ናጽነት ምምጻእን፡ ዝተረኽበ ናጽነት ምዕቃብን፡ ልኡላውነት ሃገር ምሕላውን፡ ኣንጻር ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ናይ ወጻኢ ይኹኑ፡ ወይ ናይ ውሽጢ፡ ምምካትን፡ ንዕቤትን ስልጣኔን ምስራሕ እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ተወፋይነት የልቦን። ካብዚ ዝበልጽ ምትእኽኻብን፡ ኣገልግሎትን የልቦን። ኤርትራዊ ኒሕ፡ ሓቦ፡ ጅግንነትን፡ መስዋእትን መዳርግቲ ኣይርከቦን እዩ። ነዚ ሼጥካ፡ ካልእ ክብረት ኣይርከብን እዩ! መንነትካ ለዊጥካ፡ ከም ነፋሒቶ ምንባር ኣየውጽእን

ብጊዜ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለዩ መደባት፡ ፍጻሜታትን፡ ፕሮግራማትን ይካየዱ እዮም። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ንዓበይቲ፡ ነኣሽቱ፡ መንእሰያትን ዝኸውን መደባት ይስራዕ። ንመንእሰያት፡ መደብ ስፖርት ይካየድ፡። እዚ ማለት፡ መደብ ኩዑሶ እግሪ፡ ሰኪዔት፡ መርበብ፡ ከምኡ ድማ ኣትለቲክስ ይካየድ። እዚ ንመንእሰያት፡ ምፍላጥ፡ ምትእኽኻብ፡ ምውድዳርን ይፈጥረሎም። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ዝምድናን፡ ምሕዝነተን ንኽምስርቱ ይሕግዞም። በዚ ኣቢሎም፡ ንመውስቦ፡ መርዓን፡ ሓዳርን ክበጽሑ ይኽእሉ። ሕጻናት እውን ብወገኖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕጻናት መጻወቲ ክጻወቱ፡ ክዘሉ፡ ክሕጐሱን፡ ክዕንድሩን፡ ክትርኢ ከሎኻ፡ ናይ ዕቤቶም፡ ህልውንኦም፡ ምኹስኳስ ማሕበራዊ ህይወቶም ዝበለጸን፡ ዝሓሸን ከምዝኸውን ይበርሃልካ፡። ወለዲ እውን በዚ ክሕበኑ ይግባእ! ሓበን ምልከት ጽንዓትን መንፍዓትን እዩ።

መንእሰያት ብስፖርትን፡ ፈስቲቫላትን ኣቢሎም ክፋለጡ፡ ክጻወቱን፡ ክተዓራረኹን ዝተዓዘበ፡ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ፡ ጋንታ ኣቫንቲ (ሰጉም)፡ ኣብ ዋሺንግቶ ዲ. ሲ.፡ ኣቶ ዓንደሃይማኖት ገብረመድህን ስሄል፡ ንምውርራስ ሕድሪ ክገልጽ ከሎ፡ ክምዚ ይብል፡ ”ስፖርት ንገብረሉ ምኽንያት ደቅና ብመገዲ ስፖርት ክላለዩ፡ ክመሃሩ፡ ክተሓቛቘፉ ብሃገራውነቶም ክኾርዑ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኣነ ኣብ ንሓድሕዶም ተፈጢሩ ዘሎ ስኒትን፡ ምውህሃድን፡ ምትሕግጋዝን፡ ዝሕበነሉ ስለዝኾነ ክገልጾ እደሊ። ብህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ መንእሰያት ካብ ምፍራይ ዝዓቢ ነገር የለን። ብትምህርቶም፡ ስነ-ስርዓቶም፡ ሃገራውነቶም ንሕበነሎም ኢና። ኩሉ ግዜ ብሓባርን፡ ብምርድዳእን፡ ብምምልላእን እንተሰሪሕና ክንዕወት ኢና። ጽባሕ ንዓና ተኪኦም፡ ካብዚ ናትና ዝበለጸ ነገር ክገብሩ እዮም።” እዚ እዩ ድልየት ኤርትራውያን! እዚ እዩ እቲ ሕድሪ! እዚ እዩ እቲ ውህደትን ጥምረትን

ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብ ዓመት-ዓመት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳ፡ ብፍላይ ኣብ ስካንዲናቭያን ሃገራት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከምኡ እውን ኣብ ካናዳ ይካየድ እዩ። እዚ ኹሉ መቐጸልታ ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ብርሃን ናጽነትን እዩ። ኣብ ፍርቂ ወርሒ ሓምለ 2014፡ ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ 6ይ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ ካልእ መርኣያ ሕድርን፡ ወርሻን፡ መቀጸልታ ህላዌ ኤርትራውያንን እዩ! ኤርትራ ብደቃ ትሕበን እያ!

ብጊዜ ፈስቲቫል፡ ኣብ ኣዳራሽ እቲ መደብ ዝግበረሉ ቦታ፡ ዝተፈላለዩ ኢደ ስርሓትን፡ ባህላዊ ንጥፈትን፡ ቅርጽታትን፡ መጻሕፍትን፡ ፍርያት ሙዚቃን፡ ኣልባሳትን ይቐርቡን፡ ንህዝቢ ይሽየጡን እዮም። እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ኒሕን፡ ሓርኮት- ኮት ምባልን፡ ክእለትን፡ ፍልጠትን፡ ንቕሓትን ክሳብ ከንደይ ሰጒሙን፡ ማዕቢሉን ከምዘሎ እዩ ዝሕብረካ። ኣብ 23  ዓመተ-ናጽነት ከምዚ ካብ ተራእየ፡ ካልእ 23 ዓመታትን፡ ኪንኡ ዝኸይድ ጊዜን እንተወሲኽካሉ፡ ካብዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ፍርያትን፡ ጥበብን፡ ምህዞን፡ ክእለትን፡ ካልእ ዝበለጸን፡ ዝማዕበለን ውጽኢት ክንርኢ እዩ ተስፋና። በዚ እውን ክንሕበን ይግበኣና! ተስፋ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን እዚ እዩ! ነዚ ዝዓግት ወይልኡ! ንጸይቂ ዝዓዪ ወይልኡ!

ብዛዕባ ዕዉት መደብ ፈስቲቫል ቦሎኛ 2014 ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ “እቲ ብሓያል ጭውነቱ ዝልለ ኤርትራዊ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዙ፣ምስ ህዝቡ ተሓቛቚፉ፡ ተስዓዒሙ፡ ተሓጋጊዙ፡ ኣጆኻ ተበሃሂሉ። ብጠቕላላ ኤርትራውያን ደቂ ሃገር፡ ህልውና ህዝብን፡ ሃገርን ኣመስኪሮም። ንመግዛእቲ ጸላኢ መኪቶም፡ ንወራር ወያኔ ኣበርዒኖም፡ ልኡላውነት ሃገር ኣውሒሶም። ምልክት ጽንዓት ኰይኖም። ኣንጻር ክፉእ ሽም ግብረ-ሽበራን፡ ንብሓሶት ዝተወሰነ እገዳ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መኪቶም። እምቢ ኣይንግዛእን፡ ኣይንምብርከኽን ኢሎም። ንመጻኢ ወለዶ ሕማቕ ሽም ኣይንገድፍን ኢሎም።” እዚ እዩ ሕላገት ኤርትራዊ! እዚ እዩ ጽንዓት ኤርትራዊ! ስለዚ እዩ “ጽናዕ፡ ከይትምናዕ” ዝበሃል!

ንዝመጽእ እዋን፡ ካብ ፈስቲቫላትና እንታይ ንጽበ? መልሱ፡ ንልምዓት ሃገር፡ ንራህዋ ህዝቢ ምስራሕ፡ ኣበርክቶ ህዝቢ ምዕባይን፡ መስዋእቲ ምኽፋልን እዩ እቲ ትጽቢት። መስዋእቲ ክንብል ከሎና፡ ከምቲ ብጊዜ ገድሊ መንእሰይ ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ኲናት ይሰዋእ ማለት ኣይኰነን። ኤርትራ ናጻ ንኽትከውን ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊሉ እዩ! ንሱ ይኣክል! እቲ ዝድለ፡ ናይ ጉልበትን፡ ጊዜን፡ ንዋትን፡ ኣእምሮን መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ሙዃን ማለት እዩ። ምዕባሌ ሓደ ህዝቢ ኮፍ ኢልካ ጸሓይ ኣንዳተጾሎኻ ዝመጽእ ኣይኰነን። ምዕባሌ ወይ ለውጢ፡ ብዘረባ፡ ጸርፊ፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ዕግርግር፡ ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ሓሶት፡ ተኰል፡ ኩራን፡ ሕማቕ ትምኒትን ኣይመጽእን እዩ! ንብረት ሃገርን፡ ህዝብን እንዳ ሰበርካን፡ ኣባላሾኻን፡ ዝምጽእ መሰረታዊ ወይ ዓይነተኛ ለውጢ የልቦን! ኣይሕሰብን ከኣ! ብዕድል ሃገርን ህዝብን እንዳ ተጣላዕካን፡ ቁማር እንዳተጻወትካን፡ ለውጢ ኣይምጽእን እዩ። ለውጢ ወይ ምዕባሌ ብስራሕን፡ ትምህርትን፡ ምምርማርን፡ ምፍራይን፡ ስነ-ስርዓትን እዩ ዝመጽእ። ኮፍ ኢልካ ጸሓይ ክትበርቀልካ ጥራይ ምጽባይን፡ ኣብ መንኩብ ካልኦት ተወጢሕካ፡ ምህለላን፡ ህርፋንን ኣየዋጽእን እዩ። ዝዀነን፡ ዘይኰነን ነገር ኣልዒልካ፡ ኣዋቒዕካ፡ ብዘረባ፡ ጓል ዘረባ፡ ሓሶትን፡ ፕርፖጋንዳን ዝመጽእ ፍረ የልቦን። እዚ ኩሉ ክፍኣት ክውገድ ኣለዎ። ልብን ኣእምሮን ክነጽህ ይግባእ! ዓሰባን፡ ከዳሚ ጸላኢን ኴንካ ኣይሰልጠካን እዩ! ኣብ ዓዲ ጓና ኬድካ ምስጋድን፡ ኢድ ምንሳእን ክሳራ የምጽእ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጉንዲ ክሊዓውን፡ ጨዓን ተጸጊዕካ ምብካይ ፋይዳ የብሉን። ላም ከይሓሎኻን፡ ሳዕሪ ከይብላዕካን፡ ጸባ ክትሰቲ ኣይከኣልን እዩ! ኣይትህረፍ! ከይዘራእካ፡ ኣይዕጸድን! ነቲ ዝዘራእካዮ ከምእትዓጽዶ ምፍላጥ እውን ብልህነት እዩ። እቲ ዝድለ ንቕድሚት ምስጓም፡ ኣርሒቕካ ምጥማት፡ ምስትውዓል፡ ምሕሳብ፡ ጸገማት ሃገርን፡ ህዝብን ምፍታሕ፡ ኣፍርዪ ምዃንን እዩ! ካብዚ ዝዓቢ ተልእኾን፡ ራእይን፡ ምርጫን የልቦን! መንነትካ፡ ካበይ ከምዝመጻእካን፡ ኣበይ ከዘሎኻን፡ ናበይ ከምእተኸይድን ምፍላጥ፡ ናይ ኣእምሮ ናጽነትን፡ ሓርነትን ይህበካ። ብስለት እውን እዩ!

ብሰንኪ ክፍእት ወያኔን፡ ተሓባበርቱን፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ ዘይቅኑዕ እገዳ ንኽለዓልን፡ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ብሰላም ክትነብርን፡ ብጊዜ ፈስቲቫላትና፡ ብዛዕባ እዚ ክንዛረብን፡ ክንፈልጥን፡ ክንመሃርን፡ ክንጽሕፍን፡ ክንምክትን፡ እቲ እገዳ ክለዓልን ክንጽዕር ይግባእ። እዚ ምስዝኸውን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ክመጽእ፡ ንኹሉ ዘርብሕ ጉርብትና ክምስረትን ይኽእል። ዕብየት፡ ሰላም፡ ራህዋ ኤርትራን፡ ህዝባን ድማ ክረጋገጽ ይኽእል። ኣንጻር ሰላም ደው ኣንበል። እዚ ዕላማን፡ ዕማምን ፈስቲቫላትና ክኸውን ይግባእ!

ስለዚ፡ ”እንቋዕ ኤርትራዊ ኮንኩ” ብምባል፡ ኣሰር ዝሓለፉ ጀጋኑን፡ ዘለዉን፡ ብምስዓብ፡ ንፈስቲቫላትና ነማዕርጎን፡ ንዀልዓዮን፡ ንቕድሚት ነወንጭፎን። ትጽቢትና ምስ ስራሕናን፡ ናብራናን ይመዓራረ። ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ኣይንበል፡ ኣይንጠምት፡ ኣይንርአን። ከምቶም ሓወልቲ ዓንዲ ጮው ዝዀኑ ኣይንኹን! ህላዌና፡ ጽንዓትና፡ ክብረታትና፡ ባህልና፡ ጸጋታትናን፡ እምነትናን ንሓሉ! ኣብ ዓዘቕቲ ኣይንእቶ። ንጽናዕ! ወለቕ-ዘለቕ ኣይንበል!

ብተወሳኺ፡ ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ መንእሰያት፡ ዓበይቲ፡ ነኣሽቱ፡ ሓፋሽ ወዱባት ህግደፍ፡ ደቂ ሃገር፡ ሃገራውያንን፡ ኣብ መስመርና ንጽናዕ! ዕጥቕና ኣይንፍታሕን፡ ኣይነዝልቕን! መፍቶ ጐሓላሉ፡ ጸላእቲ፡ ነጋዶ ጸሊም ዕዳጋ ኣይንኹን!  ፍልልይና ነወግድን፡ ንጽብብን! ንብዙሕነትናን፡ ሓድነትናን ነኽብሮ፡ ነጽንዓዮን፡ ንሓልዎን! ንዝመጽእ ጸለመ፡ ክፍኣት፡ ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ሓሶት፡ ፈኸራ፡ ሃለው-ለው፡ ቤላ-በለው ብምስትውዓል፡ ክእለት፡ ንቕሓት፡ ትዕግስቲ፡ ሓቅን ንግጠሞ። ዘድልን፡ ዝግባእን መልሲ ንሃብ! ካብ ንሕማቕ፡ ነቲ ጽቡቕ ንምረጽ! ካብ ንጸላም፡ ነቲ ብርሃን ንድለ! ነቲ ጽራይ ካብቲ ሓተላን፡ ግለትን ንፍለዮ። ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሰበባ ንግለሃዮ! ነቲ ኽርዳድ ካብቲ ጽሩይ እኽሊ ንመምዮ። ነቲ ዘይጽሩይ፡ ብጽቡቕ መንፊትን ሚሔን ጌርና ንንፈዮን፡ ንሓሕዮን! ነቲ እሾኽን፡ ተኾርባን፡ ቈንጠፍ-ጠፈን ንደገ ነውጽኣዮ። ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣይክእልን፡ ከምኡ እውን ረብሓ የብሉን! “ዘየተሓድር፡ ኣየማሲ እኳ ዝበሃል”!

ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ካብ መጀመርያ ጊዜ ኣትሒዞም ንፋስቲቫላት ሰሜን ኣመሪካ ዝወደቡ፡ ዝመርሑ፡ ዘዐወቱን፡ ዝደኸሙን ደቂ ሃገር፡ ምስጋናን ሞሳን ይግብኦም እዩ። የቐንየልና እውን ንብሎም። ነቶም ብድሕሪ ሕጂ ሓላፍነትን፡ ሕድርን ዝቕበሉ ድማ ጽንዑ፡ በርትዑ፡ ኣጆኹምን ንብሎም! ኤርትራ ንዓኻትኩም ሒዛ ንቕድሚት እያ እትውንጨፍ። ሕማም፡ መሃይምነት፡ ጥሜት ካብ ኤርትራ ክውገዱ ኣለዎም! እዚ ምስ ዝኸውን፡ መጻኢኣ ብሩህ እዩ!

ኤርትራ ብሰላምን ቅሳኔትን ትንበር!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

Credit: Dehai


Sponsored Ads
Festival Eritrea and its Valuable Lesson Reviewed by Admin on 11:31 PM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.