Eritrean Police Capture Human Trafficking Fugitive Near Teseney
![]() |
Eritrean police captured a notorious human trafficking ringleader near Teseney |
Eritrean police captured a notorious human trafficking fugitive near Teseney
ብአርምያስ ኣስፍሃ፡
ኣብ ከተማ ተሰነይ ግኑን ሽም’ዩ ዘለዎ። ዝያዳ ዝልለየሉ ብእረሜናዊ ጭካንኡ’ዩ። ካራ ወትሩ ካብ ማዓጥቑኡ ኣይፈልን’ዩ። እቲ ካራ፡ ሰባት የፈራርሓሉ ይሃርመሉ። ብዓንተብኡ’ውን እቲ ሳጉኡ ብቛንቛ ዓረብ “ሃራሚ ቀዛፊ’ዩ” ዝትርጎም፡ ክንዲ ዝኾነ ንሕማቕ ተግባራቱ ዘጉልሕ “ካንዳፊ” ዝብል መጸውዒ’ዩ ዘለዎ።
![]() |
One of Eritrea's most wanted human traffickers, Huruy Gebremedhin, is captured near Teseney |
“ካንዳፊ.. ንኹስቶ ብኻራ ወጊእዎ፡ ካንዳፊ፡ ንሰባት ብስግረ-ዶብ ንሱዳን ኣብጺሑ ንራሻይዳ ሸይጥዎም፡ ካንዳፊ፡ ካብ ከሰላ ናብ ተሰነይ ኣትዩ’ሎ፡ ካብ ተሰነይ ንሱዳን ከሰላ ከይዱ’ሎ” ዝብል ካብ’ቲ ዝስማዕ ዝነበረ ጉሉሕ ዕላላት መንእሰያት ተሰነይ’ዩ።
“ንሓቅነት’ዚ ዕላላት’ዚ ዘረጋግጽ ንተግባራት ካንዳፊ ዘጉልሕን፡ ብመርትዖ ዝተሰነየ ዝቐረብ ክስታት ክትዕዘቡን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡን ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል መልእኽቲ ካብ መደበር ፖሊስ ከተማ ተሰነይ ምስ መጽኣና፡ መቅረጺ ድምጺን መልዓሊ ስእልን ብምሓዝ ብ16 ታሕሳስ 2013 ወጋሕታ ናብ
ካብ ከሰላ ገለ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ብዝሕ ዝበሉ ራሻይዳ ዝርኣይሉ ቦታ ምስ በጽሑ መኪና ደው በለት። ካንዳፊ ካብ’ታ መኪና ነጢሩ ወረደ። ሰለስተ ራሻይዳ ናብ ኤልያስ ብቕልጡፍ መጺኦም ብዕማመት ሸፈንዎ። ሓደ ካብ’ቶም ተረከብቲ ሻም መሓሪ ዝተባህለ ኤርትራዊ’ዩ ነይሩ።
ካንዳፊ ንኤልያስ ናብ ሻም ምስ ኣረከቦ፡ ውዕለት ናይ’ቲ ንኤልያስ ዝሸጦ፡ 2.000.000 (ክልተ ሚልዮንጅንየ ሱዳን) ብናቕፋ ከባቢ 20 ሽሕ ናቅፋ ካብ ሻም ምስተቐበለ ናብ’ቲ ዝተበገሰሉ ከሰላ ሕቑኡ ሂብዎም ተመልሰ።
ንኤልያስ ገጹ ሸፊኖም ናብ ዕሙር ኣግራብ ዝነበሮ በረኻ ወሰድዎ። ኤልያስ ገጹ ብሽፍኑ፡ ኣብ’ቲ በረኻ በጥ ድሕሪ ምባል፡ “ንእስራኤል ዲኻ ክትከይድ” እናበሉ ብብረትን በትርን ተሳሃልዎ። ኤልያስ፡ “ኣነ ሰብ ስለ ዘይብለይ ንእስራኤል ኣይከይድን’የ፡ ንካርቱም እየ ክኸይድ ሓሲበ፡ እንተደሊኹም እዘን 3.000 ናቕፋ ኣለዋኒ ክህበኩም፡…በጃኹም ግደፉኒ” ከም ዝበሎም ኣብ መዝገብ ፋይል መርመራ ዝሃቦ ቃል ይገልጽ።
ሽዑ ሓደ ካብ’ቶ ራሻይዳ ናብ ተኸሳሲ ሕሩይ(ካንዳፊ) ተሌፎን ደዊሉ፡ ብቛንቛ ዓረብ “እዚ ሰብ እዚ ናብ እስራኤል ኣይከይድን እየ ይብል ኣሎ፡ ንግደፎ” በሎ። ካንዳፊ ግን “እዚ ሰብ እንተ ድኣ ገዲፍካዮ፡ ኣነ ክትይሓዝ’የ ጸገም እውን ክመጽኣኒ’ዩ። ኣነ እንተታሒዘ ንስኻ’ውን ክትልከም ኢኻ፡ ስለዚ ከይትገድፎ” ብምባል መለሰሉ። ብናይ ካንዳፊ ትእዛዝ ድማ እቲ ራሻይዳ ንኤልያስ ናብ ሓደ መቐየዲ ቦታ ውሲዱ ኣሰሮ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ከኣ ናብ ሲናይ ወሲዶም ዳጎንዎ። ንክፍታሕ ብርክት ዝበለ ዶላራት ክኸፍል ከም ዘለዎ’ውን ተነግሮ።
ብሰንኪ ኣረሜናዊ ተግባር “ካንዳፊ” ኣብ’ዚ ኩሉ መዘዝ ዝወደቐ ኤልያስ፡ ሓደ እዋን ናብ ስድራኡ ተሌፎን ደዊሉ፡ “ሕሩይ ዝብሃል ተቐማጢ ተሰነይ ምስ ሻም መሓሪ ዝተብህለ ሰብ ተሓባቢሮም ናብ ራሻይዳ ስለዝሸጡኒ (ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ዶላራት ተሓቲተ ኣለኹ፡…ህይወተይ ብዘስካሕክሕ ከየሕለፍዋ ከለዉ፡ ገለ ግበሩኒ” ክብል መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።
ነቲ መልእኽቲ ዝተቐበለ ወላዲኡ ብጉዳይ ወዱ ኣዝዩ ጉሃየን ሰንበደን። ካብ’ቲ ዝቕመጠሉ ኣቑርደት ናብ ተሰነይ ብምጉዓዝ ናብ’ቲ ወዱ ዝሓበሮ ኣድራሻ ናይ ካንዳፊ ንኽረክብ ኣብ ተሰነይ ኣጣየቐ። ድሕሪ ላዕልን ታሕትን ምባል ከኣ ኣድራሻ ካንዳፊ ረኸቦ። ናብ መንበሪ ገዝኡ ብምኻድ’ውን ኣደ ተኸሳሲ ረኸባ። ዝርዝር ናይ’ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ድሕሪ ምሕባር፡ ኣዲኡ ናብ ወዳ ደዊላ ንወዱ ኤልይስ ነጻ ከተውጽኦ ሓበራ።
እታ ብዓንተውኡ’ውን ንወዳ ብኣካል ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣዲኡ፡ በታ እናሓንሳእ ካብ ሱዳን ዝድውለላ ተሌፎን ገይራ፡ ናብ ወዳ ደወለት። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ነታ ተለፎን ንኣቦ ኤልያስ ኣቐበለቶ። “ሄሎ…ሕሩይ ዲኻ?” “እወ” “በል ንኤልያስ ወደይ ሒዝካዮ ኣለኻ ግደፎ! እንተዘይኮይኑ፡ ኣዴኻ ምሳ’ና ስለዘላ..ካልእ ሳዕቤን ከይተምጽእ” ብምባል ኣጠንቀቖ።
ተኸሳሲ፡ ሕሩይ (ካንዳፊ) በቲ መጠንቀቕታ ቕጭጭ ኣይበሎን፡ እኳ ድኣ ጭካኒኡ ብዝያዳ ኣንጸባረቖ። ነታ ቅንጣብ ሓልዮት’ውን ዘይገብረላ ወላዲት ኣዲኡ…”ነደይ እንተደሊኻ ከራቲፍካ ቑረጻ…ኣነ ግን ሕጂ’ውን ተወሳኺ 3000.000 (ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ) ናቅፋ ከይከፈልካ ወድኻ ኣይፍንዎን’የ” ብምባል ተሌፎን ኣብ ጉንዲ እዝኑ ዓጸዋ።
ካንዳፊ ንኤልያስ ናብ ራሻይዳ ሸይጡ ገንዘብ ተረኪቡ እዩ። ነዚ ብምጉሳይ ግን ንኤልያስ ምስኡ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ንኣቦ ኤልያስ ተወሳኺ ገንዘብ ሓተቶ። ኣብ መወዳእታ፡ ስድራ ኤልያስ፡ ዝሓተትዎ ገንዘብ ካብ ዘምጽኡ ኣምጺኦም ከፈልሉ። ኤልያስ ካብ ኢድ’ቶም ጎሓላሉ ተለቒቑ፡ ናብ ግብጺ ኣትዩ። ንገለ እዋን ኣብ ግብጺ ድሕሪ ምቕማጥ “ዓድኻ’ዩ ዓድኻ፡ ዓደይ ምስ ክብረተይ ይሕሸኒ” ኢሉ ብሓልዮት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ብነፋሪት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዛንትኡ ክጸዊ በቒዑ ይርከብ። “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል ድማ እቲ ኣብ’ዚ ኩሉ መከራ ዘውደቖ ካንዳፊ፡ ኣብታ ንፍትሒ እምበር ንዓመጽ ዘይትጻወር ሃገረ ኤርትራ ምትሓዙ ንኤልያስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ልዑል ሓጎስ ተሰሚዕዎ ይርከብ።
ብዘይካ’ዚ ካንዳፊ ብስግር ዶብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ተሰነይ ናብ ከሰላ ከም ዘሰጋገረ ኣብ ፖሊስ ተሰነይ ቀሪቡ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ። ንኣብነት፡ ምስ ሻም መሓሪ ዝበሃል ሸያጢ ሰብ ተሓባቢሮም ንፍረወይኒን ስዒድን ዝተባህሉ ኤርትራውያን፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ናቕፋ እናተቐበለ ካብ ኤርትራ ንከሰላ ከም ዘስገሮም ኣብ ፖሊስ ቀሪቡ ቃሉ ሂቡ። ከምኡ እውን ኣብ መጋቢት 2011፡ ካብ’ታ ዝተመደበላ ኣሃዱ ንሰለስተ መንእሰያት ሒዙ ብስግረ-ዶብ ናብ ከሰላ ዘስገሮም ይጠቅስ። ነዞም ሰባት፡ ኣብ ከሰላ ምስ ኣብጽሖም ናብ’ቶም ኣረሜን ራሻይዳ ከም ዘረከቦም ርዱእ’ዩ። ናብ’ኦም ምስ ተረከቡ ሞይቶም ድዮም ወይስ ድሒኖም፡ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ካንዳፊ ናብ ራሻይዳ ዝሸጦም ህላውነቶም ዘይፍለጡ ኤርትራውያን ክህልዉ ስለዝኽእሉ በቲ መከራ ዝሓለፉ ብህይወቶም ዘለዉ ኤርትራውያን እንተሃልዮም ድማ ሓበሬታ ንፖሊስ ክህቡ ኣገዳሲ’ዩ።(ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም)
ብሓፈሻ ተኸሳሲ ሕሩይ ገረመድህን (ካንዳፊ) ብፈተነ ቕትለት፡ ገበናዊ ባርዕ ሓዊ፡ ብመሸጣ ሰብን ሰባት ብኻራ ሃሪሙ ብምስንካሉን ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ይርከብ። ንነፍሲ ወከፍ ዝተኸሰሰሉ ገበናት ኣሚኑሉ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ተሓድሶን ባረንቱ ተቐይዱ ከኣ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝዳረግ ንተበደልትን ህዝብን ሃገርን ድማ እፎይታ ዝህብ ፍርዲ ይጽበ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ወርሓዊት መጽሐት ፖሊስን ህዝብን ኤርትራ ናይ መጋቢት-ምያዝያን 2014 ዝተረኽበ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘለኹም ፈተውቲ ፍትሒ ዜጋታት፡ ነዚ መጽሐት ኣብ’ቲ ዘለኽምዎ ከባቢ ስለዘይበጽሕ፡ በዚ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ስለእትሻቐሉን፡ መንግስትን ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት፡ ከም ውጽኢቱ ዝተረኽበ ዓቢ ፍጻሜ፡ ብውጽኢቱ ዝህብና ረኺብዎ ዘሎ ፍናን፡ ንኽክትረኽቡ፡ ካብ ዝብል መንፈስ፡ ቅዳሕ ናይ’ታ ጽሕፍቲን ኩነታትን ንኽትከታተሉ፡ ቅድሓ እንሆ! ተወልደ ብእምነት-ኣስመራ
Source: Dehai

Post Comment