Top Ad unit 728 × 90

.

Eritrean Police Capture Human Trafficking Fugitive Near Teseney


Eritrean police captured a notorious human trafficking ringleader near Teseney


Eritrean police captured a notorious human trafficking fugitive near Teseney


ብአርምያስ ኣስፍሃ፡

 ኣብ ከተማ ተሰነይ ግኑን ሽም’ዩ ዘለዎ። ዝያዳ ዝልለየሉ ብእረሜናዊ ጭካንኡ’ዩ። ካራ ወትሩ ካብ ማዓጥቑኡ ኣይፈልን’ዩ። እቲ ካራ፡ ሰባት የፈራርሓሉ ይሃርመሉ። ብዓንተብኡ’ውን እቲ ሳጉኡ ብቛንቛ ዓረብ “ሃራሚ ቀዛፊ’ዩ” ዝትርጎም፡ ክንዲ ዝኾነ ንሕማቕ ተግባራቱ ዘጉልሕ “ካንዳፊ” ዝብል መጸውዒ’ዩ ዘለዎ።

One of Eritrea's most wanted human traffickers, Huruy Gebremedhin, is captured near Teseney


“ካንዳፊ.. ንኹስቶ ብኻራ ወጊእዎ፡ ካንዳፊ፡ ንሰባት ብስግረ-ዶብ ንሱዳን ኣብጺሑ ንራሻይዳ ሸይጥዎም፡  ካንዳፊ፡ ካብ ከሰላ ናብ ተሰነይ ኣትዩ’ሎ፡ ካብ ተሰነይ ንሱዳን ከሰላ ከይዱ’ሎ” ዝብል ካብ’ቲ ዝስማዕ ዝነበረ ጉሉሕ ዕላላት መንእሰያት ተሰነይ’ዩ።

 “ንሓቅነት’ዚ ዕላላት’ዚ ዘረጋግጽ ንተግባራት ካንዳፊ ዘጉልሕን፡ ብመርትዖ ዝተሰነየ ዝቐረብ ክስታት ክትዕዘቡን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡን ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል መልእኽቲ ካብ መደበር ፖሊስ ከተማ ተሰነይ ምስ መጽኣና፡ መቅረጺ ድምጺን መልዓሊ ስእልን ብምሓዝ ብ16 ታሕሳስ 2013 ወጋሕታ ናብ

ተሰነይ ተበገስና። ድሕሪ ናይ ልዕሊ 300 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ድማ ከተማ ተሰነይ በጻሕና። ሓመድ እግርና ከይነገፍና ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ተሰነይ ኣምራሕና። ንሓላፊ ገበን መርመራ ኣልኣዛር ተኽለኣብ ድማ ረኸብናዮ። 

“ብዛዕባ ካንዳፊ እንታይ ሓበሬታ ትህበና” ክንብል ሓተትናዮ። መርማሪ ኣልኣዛር፡ “እንቛዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል ነቲ ኣብ መዝገብ ፋይል መርመራ ዝሰፈረ ትሕዝቶ ክስታት ክንምልከቶ ኣቕረበልና። ተወሳኺ ንክኾነና’ውን ዘድሊ መግለጺታ ሃበና። 

 ኣዜብ ዝተባህለት ተቐማጢት ተሰነይ ኣብ’ታ መስተ እትሽቅጠላ ገዛ ኮይና ስርሓ እናካየደት፡ ብ6 ሰነ 2013 ሰዓት 7፡30 ምሸት ካንዳፊ መጺኡ መንበር ስሒቡ ኮፍ በለ። ኣዜብ ጠባያት ካንዳፊ ኣዳዓዲዓ ስለእትፈልጥ ነቶም ኣብ ገዝኣ ብሰላም ዝሰትዩ ዝነበሩ ረብሻን ዕግርግርን ከይፈጥረሎም ስግኣት ተሰምዓ። 

ካንዳፊ፡ ዓይነት መስተ ጠቒሱ ንኣዜብ ክትህቦ እናጣቕዐ ብዓውታ ኣዘዛ። ኣዜብ “እዚ ትእዝዞ ዘለኻ መስተ የብለይን” መለሰት። ኣብ ሓደ ጸግዒ ኮይኖም ዝሰትዩ ዝነበሩ ሓደ ኣቦ ንኹነታት ካንዳፊ ምስ ተዓዘቡ፡ “እዚ ወደይ ንዓ ምሳይ ስተ” በልዎ። 

 ካንዳፊ ንኽብሪ’ቶም ኣቦ ብምዝንጣል፡ “እንታዋይ ኢኻ ኣነ ምሳኻ ዝሰቲ” ብምባል ብእግሩ ቀልዖም። ሕማቕ ዝረኣየት ኣዜብ “ሕማቕ ትገብር ኣለኻ፡ ዓቢ ሰብኣይ ትሃርም? በለቶ። ካንዳፊ “እንታይ ገደሰኪ” ብምባል፡ ካራ ካብ መዓንጥኡ ብቕልጡፍ ኣውጺኡ ኣብ ጉንዲ እዝና ወግኣ። 

ኣዜብ ኣብ መሬት ተሰጥሐት፡ ኣውያት’ውን ደርጓሓቶ። ኣረሜን ካንዳፊ ካራኡ ሒዙ ካብ’ቲ ገዛ ብህጹጽ ወጺኡ ተዓዝረ። ሕማቕ ዝረኣዩ ሰባት ንኣዜብ ናብ ሆስፒታል ተሰነይ ወሰድዋ። 8 ጋንቺ ( ውጋእ መስፈይቲ) ዝኸውን ተሰፍያ ናብ ቤታ ተመልሰት። ምስ ተመልሰት’ውን መሬት ደሓን ኣይጸንሓን። እቲ ብደሓኑ ዝገደፈቶ እትሰርሓሉ ትካል ክቃጸል ጸንሓ። ኣሽሓት ገንዘብ ዝግትመን ንብረታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ክቃጸል ትዕዘቦ ብምንባራ፡ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ መውጋእቲ ቃንዛ ከምኡ’ውን ስንባደ ዝፈጠረላ ቃጸሎ ገዛ ተደማሚሩ ውኒኣ ጠፋኣ። 

ክልተ ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ብምስቃል “እንታ’የ ዝርኢ ዘለኹ” በለት ብዓውታ። ካብ’ቶም ገዲፋቶም ንሕክምና ዝኸደት ደቃ፡ ካንዳፊ ገዛ ኣቃጺሉ ብቕልጡፍ ከምዝወጽአ ሓበርዋ። ኣዜብ “ኣቐዲመ ጠርጢረ  እንድየ..እዚ ርጉም…እዋይ’ዚ ኣረሜን፡ ኢዱ ኣይስኣን” ዝከኣላ ተራገመት። ፖሊስ ምስ መጽእዋ ድማ ብካንዳፊ ዝወረዳ ብድዐ ብዝርዝር ድሕሪ ምሕባር ጥርጣሪኣ’ውን ምሉእ ብሙሉእ ኣብኡ ምዃኑ ነገረት። ጆርጅ ርእሶም ዝተባህለ ተቐማጢ ተሰነይ ምስ ሓንቲ ዓርኩ ክዛወር ዝተዓበ ካንዳፊ፡ “ንዓስ’ከ” በሎ ብዘሰንብድ ድምጺ፡ ጆርጅ፡ ባህርያት ካንዳፊ ጽቡቕ ጌይሩ ስለዝፈልጥ፡ እንፈርሐ ምስ’ታ ዓርኩ ቀረቦ። ካንዳፊ፡ “ንስኻ በዚኣ ሰላሕ ኢልካ ትኸይድ፡ ነዛ ቆልዓ ግን ክወስዳ’የ” ብምባል ሃደዶን ኣጉባዕባዓሉን። ጆርጆ “በጃኻ ኣይትውሰዳ፡ ዝፈትዋ ዓርከይ’ያ” በሎ ብትሕትና። ብመልሲ ጀርጆ ዘይዓገበ ካንዳፊ፡ ንጆርጆ ብቕልጡፍ ብኳሌትኡ ብምሓዝ ብዝጋምበቲ ሃሪሙ ኣውደቆ። ምስ ኣውደቆ ካብ ማዕጥቕኡ ሓንቲ በላሕ ካራ ብምውጻእ ኣብ ጸጋመይቲ እግሩ ወግኦ። ጆርጆ ኣብ ቅድሚ’ታ ዓርኩ ኣእወየ። ካንዳፊ ሕጂ’ውን ነቲ ወዲቑ ዘእዊ ዝነበረ ጆርጆ እምኒ ብምልዓል የማናይ መንኩቡ ሃሪምዎ ተዓዝረ። ነቲ ትራጀዲ ትዕዘብ ዝነበረት ዓርኪ ጀርጆ ብንብዓት ተሓጽበት። ሕማቕ ዝረኣዩ ሰባት ንጆርጆ ናብ ሆስፒታል ተሰነይ ወሰድዎ። ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዘድሊ ጊዚያዊ ሕክምናዊ ረዲኤት ተገብረሉ። ህራም ጀርጆ ክብድ ዝበለ 

ስለዝነበረ ከኣ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ ከይዱ ክሕከም ብሓካይም ተኣዘዘሉ። ጆርጆ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ ንክልተ ኣዋርሕ ዝኸውን ደቂሱ ተሓከመ። እንተኾነ እታ ብኻራ ዝተሃረማ ጸጋመይቲ እግሩ ስንክልና ኣስዒባትሉ፡ ሰንኪሉ እነብር ኣሎ። 

 ካንዳፊ ብተግባራቱን ብዝፈጸሞም ገበናትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዛየዱ ብዝዮም እናጎልሑን መጽኡ። ኣብ ሱዳን፡ ንኤርትራውያን ናብ ራሻይዳ ዝሸጡ ዝነበሩ’ሞ ዝተታሕዙ፡ ንዝፈጸምዎ ተግባራት ኣመልኪቶም ንህዝቢ ክገልጹ ከለዉ “ካንዳፊ” ዝተባህለ ተቐማጢ ሊኡኹና፡ …ሓቢሩና፡…እናበሉ ንስሙ ብተደጋጋሚ ይጠቕስዎ ነበሩ። ስለ’ዚ ኸኣ ገበናት ካንዳፊ ካብ እዋን ናብ እዋን እናጸንከረ ክኸይድ ጀሚሩ። ካብኡ ንንዮው ንኸይስዕርር ድማ፡ ፖሊስ ነዚ ፈጻሚ ገበናት ንምሓዝ ኣድላዪ ዘበለ ምክትታል ክገብር ጀመረ። እንተኾነ፡ ካንዳፊ ተሰዊሩ ስለዝነበረ ፖሊስ ንግዚኡ ክረኽቦ ኣይከኣለን። ንምክትታሉ ሓገዝቲ ዝኾኑ “ካንዳፊ ኣበይ ኣድራሻ ይነብር፡ ኣበይ ቦታታት ይኣቱን ይውዕልን? ኮታ ምንቅስቓሳቱ ከምይ’ዩ?” ዝብሉ ደቀቅቲ ሓበሬታታትን መርትዖታትን ካብ ተቐማጢ ተሰነይ ኣከቡ። 

በቲ ዘዋህለልዎ ሓበሬታታት፡ ካንዳፊ መገዲ ተሰነይ ከሰላ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ከም ገዝኡ ከም ዝመላለሶ፡ ገበናት ፈጺሙ እውን ናብ ሱዳን ከም ዝሽፍትን፡ ኣብ ሱዳን ዕንድር ቀንዩ፡ ናይ ጁብኡ ገንዘብ ጉድል ክብሎ ከሎ፡ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንምስጋር ንተሰነይ ከም ዝኣቱ መረዳእታ ሓዙ። ብመሰረት ዝኣከብዎ ሓበሬታ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ተሰነይ ዝነበረ ካፕተን መሓሪ መብራህቱ፡ ንኣባላቱ ብዛዕባ ካንዳፊ ዘድሊ ሓበሬታ ብምሃብ ካብ ህዝቢ’ውን ዘድሊ ምትሕብባር ዝገብሩ ሰባት ብምውዳብ ጽዑቕ ምጽንጻን ገበረ። ሓደ ምሸት’ዩ፡ “ካንዳፊ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ተሰነይ፡ ሰኺሩ የዕገርግር ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ናብ ፖሊስ በጽሐ። ኣዛዚ መደበር ካፒተን መሓሪ ምስ ኣባላቱ ናብ’ታ ዝተጠቕሰት ቤት መስተ ብሜላን ጥንቃቐን ንካንዳፊ ንምሓዝ ተበገሱ። ‘ካንዳፊ’ ሓደገኛ ስለዝኾነ፡ ንሰባት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ክሃድም ክፍትን’ውን ስለዝኽእል፡ ከም ካራ ዝኣመሰሉ ንብረታት ሒዙ ስለዝንቀሳቐስ ድማ ኣብ ምሓዙ ጥንቃቐ ከድሊ’ዩ። ኣቀዲሞም ግን ካንዳፊ ካብ’ቲ ቤት መስተ ብቕልጡፍ ከይእለ፡ ኣቓልብኡ ንምስራቕ ዘዛናግዕዎን ዘዳናጉይዎን ሰባት ወደብሉ። 

 ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ’ታ ካንዳፊ ዝርከባ ቤት መስተ ብህጹጽ ብምብጻሕ ነታ ገዛ ከበብዋ። ካንዳፊ ከኣ ብዘይተጸበዮ ኣገባብ ብ31 ግንቦት 2013 ኣብ’ታ ቤት መስተ እንከሎ ተታሕዘ። ካንዳፊ ተታሒዙ ማለት ድሕነት ሰባት ተረጋጊጹን ካልእ ሕቡእ ገበናትን ተኸሺሑን ማለት ስለዝኾነ፡ ምትሓዙ ልዕሊ ፖሊስ ንህዝቢ እፎይታ ዝህብ ነበረ። ፖሊስ ከም’ቲ ዝገመቶን ህዝቢ ዝተጸበዮን ካንዳፊ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ብዝተገብረ መርመራታት ካልእ ገበናት ካንዳፊ ተቓልዐ። 

 ካንዳፊ፡ ንዘካይዶም ዝነበረ ኣከይ ተግባራት ከይቃልዑ ቀንዲ መጸዊዒ ስሙ ገዲፉ፡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ብ“ሓበን” እዩ ዝፍለጥ ኔሩ። ፖሊስ ብዘካየዶ ምጽራይ ግን ምሉእ ስሙ ሕሩይ ገብረመድህን ጎይትኦም (ካንዳፊ) ምዃኑ ተረጋገጸ። ተኸሳሲ ካንዳፊ፡ ወዲ 25 ዓመት ኮይኑ፡ ኣድራሻኡ ኣብ ዞባ መስከረም ተሰነይ እኳ እንተኾነ፡ ነታ ምስኡ እትቕመጥ ኣዲኡ ራሕሪሑ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) ከምኡ’ውን ኣብ ስዉር ቦታታት ተሰነይ ዝቕመጥ ፋሉል’ዩ። እዚ ተኸሳሲ ብዘይካ’ዘን ክልተ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ገበናቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ንግርማይ ወዲ ሓንጣል ዝተባህለ ሰብ ኣብ ሓደ ባር ብኻራ ሰለፉ ስለዝወግኦ፡ ከምኡ’ውን ንእድሪስ ዝበሃል ተቐማጢ ተሰነይ ሴፍ ስለዝሰረቖ 5 ዓመታትን 6 ኣዋርሕን ተፈሪዱ 
ዝተኣሰረ’ዩ።

እቲ ካልእ ጉድ ካንዳፊ፡-

ተኸሳሲ ሑሩይ (ካንዳፊ) ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ምስተሰምዐ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት ሓደ መንእሰይ ናብ’ቲ እቲ መደበር ፖሊስ መጽአ። ዝተቐበልዎ ኣባላት “እንታይ ክንሰሞዓካ?” ክብሉ ሓተትዎ። ንሱ “ካንዳፊ ኣብ’ዚ ተቐይዱ ሰሚዐ’ሞ፡ ኣብ ልዕለይ ዝፈጸሞ ከቢድ ገበናት ስለዘሎ ክሕብርን ክኸስስን’የ መጺአ” በለ፡ ጉዳዩ ንኽነግሮም እናተሃወኸ። 

 ኣባላት’ቲ መደብር ፖሊስ ብኣገባብ ድሕሪ ምቕባል ናብ ኣዛዚ መደበር ሰላምታ ለጊሱ ድሕሪ ምቕባል፡ ጉዳዩ ብዝርዝር ንኣዛዚ ሓበሮ። ኣዛዚ ካፒተን መሓሪ መብራህቱ “በቲ ዝሰምዖ ዘደንጹ ዛንታ ብምግራም፡ ኣረሜንነት ናይ ካንዳፊ ደንጸዎ። ብድሕሪ’ዚ ንኸሳሲ ወረቐት ክሱ ሒዙ ናብ ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ተሰነይ ኣልኣዛር ተኽላኣብ ክቐርብ መርሖ። ከሳሲ እንታይ’ኮንዩ ኣጋጢምዎ? 

ከሳሲ፡ ኤልያስ ከሰተ ገዛኢ ይበሃል። ንሱ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ “ወይ ሰብ ደቀይ” “ኤልያስ እቲ ውጻእ መዓት” ብዝብል ኣርእስቲ ብዘጋጠሞ ኩነታት ዝገልጽ ዛንታ ብተኸታተሊ ዝተጻሕፈሉ’ዩ። 

 ኤልያስ ወዲ 24 ዓመት ተቐማጢ ከተማ ኣቑርደት’ዩ። ንሱ፡ ኣብ መስከረም 2012 ምስ ሳልሳይ ርእሱ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ከሰላ ሱዳን ኣተወ። ኣብ ከሰላ ምስ ኣተወ፡ ምስ ካንዳፊ ተላለዩ፡ ሌላኦም ስለዝዓመቐ ብሓባር ሻሂ ክሰትዩ ጀመሩ። ኣብ ከም’ዚ ህሞት፡ ካንዳፊ ንኤልያስ ድሌቱን መምጺኢኡን ሓተቶ። ኤልያስ፡ ድሌቱ ካርቱም ምኻድ ምዃኑ፡ እንተኾነ ኣብኡ ሰብ ስለዘይብሉ ከም እተሸገረ ነገሮ። 

 ካንዳፊ፡ “ካርቱም ባዕለይ ክወስደካ’የ ኣጆዃ…” ኢሉ ተስፋ ብምሃብ ንኤልያስ ናብ እንዳ ኣውቶቡስ ብሓባር ክኸዱ ሓበሮ። ኤልያስ’ውን ፍቓደኛ ኮነ። 

 ብሓባር እናኸዱ፡ ካንዳፊ ናብ’ቶም ኣብዘይ ሕጋዊ መሸጣ ሰብ ዝተዋፈሩ መሳርሕቱ፡ ሻም መሓሪ ዝተባህለ ኤርትራዊን ናብ ራሻይዳን ደወለ። ዝሃቦም መልእኽቲ ድማ፡ ኤልያስ ዝተባህለ ምስኡ ከም ዘሎ፡ ናብኦም ክሸጦ ስለ ዝደለየ ንክመጽዎ’ዩ። 

 እቲ ዝተጠቐምሉ ሜላ ድማ፡ ሻም መሓሪን እቲ ራሻይዳን ቦክስ ዝዓይነታ መኪና ሒዞም፡ ከም ሓለፍቲ መንገዲ መሲሎም ክመጹ’ሞ፡ ካናድፊ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ንክማልእዎ ከመልክተሎም ነበረ። እዚ ሜላ’ዚ ኤልያስ ንኸይጥርጥሮም ዝመህዝዎ’ዩ። 

 ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ካንዳፊ ንኤልያስ ንካርቱም ክወስደካ’የ ስለዝበሎ፡ ናብ እንዳ እውቶቡስ ይጓዓዙ ነበሩ። ቦክስ ዝዓይነታ መኪና ብሓደ ራሻይዳ ተመሪሓ ኣብ ጎድኑ ከኣ ሻም መሓሪ ተሳፊሩ ብናህሪ መጸአት። ተዳልዩ ዝጸንሐ ካንዳፊ ንኽማልእዎ ኢዱ ኣመልከተ። መኪና ብቕጽበት ደው በለት። ኣቐዲሙ ተረዳዲኡ ዝጸንሐ ካንዳፊ ምስ ግዳይ ኤልያስ ንኸምስል ኣብታ መኪና ብድሕሪት ተሳፈረ። ውዲት ተኣሊምሉ ዝነበረ ኤልያስ፡ እንትርፎ ናብ ካርቱም ዝብገስሉ እንዳ ኣውትቡስ፡ ናበይ ይወስድዎ ኣለዉ 
ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ምስ ካንዳፊ እንዳ ኦዕለሉ ጉዕዞኦም ቀጸሉ። 

ካብ ከሰላ ገለ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ብዝሕ ዝበሉ ራሻይዳ ዝርኣይሉ ቦታ ምስ በጽሑ መኪና ደው በለት። ካንዳፊ ካብ’ታ መኪና ነጢሩ ወረደ። ሰለስተ ራሻይዳ ናብ ኤልያስ ብቕልጡፍ መጺኦም ብዕማመት ሸፈንዎ። ሓደ ካብ’ቶም ተረከብቲ ሻም መሓሪ ዝተባህለ ኤርትራዊ’ዩ ነይሩ።

 ካንዳፊ ንኤልያስ ናብ ሻም ምስ ኣረከቦ፡ ውዕለት ናይ’ቲ ንኤልያስ ዝሸጦ፡ 2.000.000 (ክልተ ሚልዮንጅንየ ሱዳን) ብናቕፋ ከባቢ 20 ሽሕ ናቅፋ ካብ ሻም ምስተቐበለ ናብ’ቲ ዝተበገሰሉ ከሰላ ሕቑኡ ሂብዎም ተመልሰ።

ንኤልያስ ገጹ ሸፊኖም ናብ ዕሙር ኣግራብ ዝነበሮ በረኻ ወሰድዎ። ኤልያስ ገጹ ብሽፍኑ፡ ኣብ’ቲ በረኻ በጥ ድሕሪ ምባል፡ “ንእስራኤል ዲኻ ክትከይድ” እናበሉ ብብረትን በትርን ተሳሃልዎ። ኤልያስ፡ “ኣነ ሰብ ስለ ዘይብለይ ንእስራኤል ኣይከይድን’የ፡ ንካርቱም እየ ክኸይድ ሓሲበ፡ እንተደሊኹም እዘን 3.000 ናቕፋ ኣለዋኒ ክህበኩም፡…በጃኹም ግደፉኒ” ከም ዝበሎም ኣብ መዝገብ ፋይል መርመራ ዝሃቦ ቃል ይገልጽ።

ሽዑ ሓደ ካብ’ቶ ራሻይዳ ናብ ተኸሳሲ ሕሩይ(ካንዳፊ) ተሌፎን ደዊሉ፡ ብቛንቛ ዓረብ “እዚ ሰብ እዚ ናብ እስራኤል ኣይከይድን እየ ይብል ኣሎ፡ ንግደፎ” በሎ። ካንዳፊ ግን “እዚ ሰብ እንተ ድኣ ገዲፍካዮ፡ ኣነ  ክትይሓዝ’የ ጸገም እውን ክመጽኣኒ’ዩ። ኣነ እንተታሒዘ ንስኻ’ውን ክትልከም ኢኻ፡ ስለዚ ከይትገድፎ” ብምባል መለሰሉ። ብናይ ካንዳፊ ትእዛዝ ድማ እቲ ራሻይዳ ንኤልያስ ናብ ሓደ መቐየዲ ቦታ ውሲዱ ኣሰሮ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ከኣ ናብ ሲናይ ወሲዶም ዳጎንዎ። ንክፍታሕ ብርክት ዝበለ ዶላራት ክኸፍል ከም ዘለዎ’ውን ተነግሮ።

 ብሰንኪ ኣረሜናዊ ተግባር “ካንዳፊ” ኣብ’ዚ ኩሉ መዘዝ ዝወደቐ ኤልያስ፡ ሓደ እዋን ናብ ስድራኡ ተሌፎን ደዊሉ፡ “ሕሩይ ዝብሃል ተቐማጢ ተሰነይ ምስ ሻም መሓሪ ዝተብህለ ሰብ ተሓባቢሮም ናብ ራሻይዳ ስለዝሸጡኒ (ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ዶላራት ተሓቲተ ኣለኹ፡…ህይወተይ ብዘስካሕክሕ ከየሕለፍዋ ከለዉ፡ ገለ ግበሩኒ” ክብል መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።

 ነቲ መልእኽቲ ዝተቐበለ ወላዲኡ ብጉዳይ ወዱ ኣዝዩ ጉሃየን ሰንበደን። ካብ’ቲ ዝቕመጠሉ ኣቑርደት ናብ ተሰነይ ብምጉዓዝ ናብ’ቲ ወዱ ዝሓበሮ ኣድራሻ ናይ ካንዳፊ ንኽረክብ ኣብ ተሰነይ ኣጣየቐ። ድሕሪ ላዕልን ታሕትን ምባል ከኣ ኣድራሻ ካንዳፊ ረኸቦ። ናብ መንበሪ ገዝኡ ብምኻድ’ውን ኣደ ተኸሳሲ ረኸባ። ዝርዝር ናይ’ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ድሕሪ ምሕባር፡ ኣዲኡ ናብ ወዳ ደዊላ ንወዱ ኤልይስ ነጻ ከተውጽኦ ሓበራ።

 እታ ብዓንተውኡ’ውን ንወዳ ብኣካል ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣዲኡ፡ በታ እናሓንሳእ ካብ ሱዳን ዝድውለላ ተሌፎን ገይራ፡ ናብ ወዳ ደወለት። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ነታ ተለፎን ንኣቦ ኤልያስ ኣቐበለቶ። “ሄሎ…ሕሩይ ዲኻ?” “እወ” “በል ንኤልያስ ወደይ ሒዝካዮ ኣለኻ ግደፎ! እንተዘይኮይኑ፡ ኣዴኻ ምሳ’ና ስለዘላ..ካልእ ሳዕቤን ከይተምጽእ” ብምባል ኣጠንቀቖ።

 ተኸሳሲ፡ ሕሩይ (ካንዳፊ) በቲ መጠንቀቕታ ቕጭጭ ኣይበሎን፡ እኳ ድኣ ጭካኒኡ ብዝያዳ ኣንጸባረቖ። ነታ ቅንጣብ ሓልዮት’ውን ዘይገብረላ ወላዲት ኣዲኡ…”ነደይ እንተደሊኻ ከራቲፍካ ቑረጻ…ኣነ ግን ሕጂ’ውን ተወሳኺ 3000.000 (ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ) ናቅፋ ከይከፈልካ ወድኻ ኣይፍንዎን’የ” ብምባል ተሌፎን ኣብ ጉንዲ እዝኑ ዓጸዋ።

 ካንዳፊ ንኤልያስ ናብ ራሻይዳ ሸይጡ ገንዘብ ተረኪቡ እዩ። ነዚ ብምጉሳይ ግን ንኤልያስ ምስኡ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ንኣቦ ኤልያስ ተወሳኺ ገንዘብ ሓተቶ። ኣብ መወዳእታ፡ ስድራ ኤልያስ፡ ዝሓተትዎ ገንዘብ ካብ ዘምጽኡ ኣምጺኦም ከፈልሉ። ኤልያስ ካብ ኢድ’ቶም ጎሓላሉ ተለቒቑ፡ ናብ ግብጺ ኣትዩ። ንገለ እዋን ኣብ ግብጺ ድሕሪ ምቕማጥ “ዓድኻ’ዩ ዓድኻ፡ ዓደይ ምስ ክብረተይ ይሕሸኒ” ኢሉ ብሓልዮት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ብነፋሪት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዛንትኡ ክጸዊ በቒዑ ይርከብ። “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል ድማ እቲ ኣብ’ዚ ኩሉ መከራ ዘውደቖ ካንዳፊ፡ ኣብታ ንፍትሒ እምበር ንዓመጽ ዘይትጻወር ሃገረ ኤርትራ ምትሓዙ ንኤልያስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ልዑል ሓጎስ ተሰሚዕዎ ይርከብ።

 ብዘይካ’ዚ ካንዳፊ ብስግር ዶብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ተሰነይ ናብ ከሰላ ከም ዘሰጋገረ ኣብ ፖሊስ ተሰነይ ቀሪቡ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ። ንኣብነት፡ ምስ ሻም መሓሪ ዝበሃል ሸያጢ ሰብ ተሓባቢሮም ንፍረወይኒን ስዒድን ዝተባህሉ ኤርትራውያን፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ናቕፋ እናተቐበለ ካብ ኤርትራ ንከሰላ ከም ዘስገሮም ኣብ ፖሊስ ቀሪቡ ቃሉ ሂቡ። ከምኡ እውን ኣብ መጋቢት 2011፡ ካብ’ታ ዝተመደበላ ኣሃዱ ንሰለስተ መንእሰያት ሒዙ ብስግረ-ዶብ ናብ ከሰላ ዘስገሮም ይጠቅስ። ነዞም ሰባት፡ ኣብ ከሰላ ምስ ኣብጽሖም ናብ’ቶም ኣረሜን ራሻይዳ ከም ዘረከቦም ርዱእ’ዩ። ናብ’ኦም ምስ ተረከቡ ሞይቶም ድዮም ወይስ ድሒኖም፡ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ካንዳፊ ናብ ራሻይዳ ዝሸጦም ህላውነቶም ዘይፍለጡ ኤርትራውያን ክህልዉ ስለዝኽእሉ በቲ መከራ ዝሓለፉ ብህይወቶም ዘለዉ ኤርትራውያን እንተሃልዮም ድማ ሓበሬታ ንፖሊስ ክህቡ ኣገዳሲ’ዩ።(ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም)

ብሓፈሻ ተኸሳሲ ሕሩይ ገረመድህን (ካንዳፊ) ብፈተነ ቕትለት፡ ገበናዊ ባርዕ ሓዊ፡ ብመሸጣ ሰብን ሰባት ብኻራ ሃሪሙ ብምስንካሉን ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ይርከብ። ንነፍሲ ወከፍ ዝተኸሰሰሉ ገበናት ኣሚኑሉ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ተሓድሶን ባረንቱ ተቐይዱ ከኣ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝዳረግ ንተበደልትን ህዝብን ሃገርን ድማ እፎይታ ዝህብ ፍርዲ ይጽበ።

__________________________________
መብርሂ፡ 
 እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ወርሓዊት መጽሐት ፖሊስን ህዝብን ኤርትራ ናይ መጋቢት-ምያዝያን 2014 ዝተረኽበ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘለኹም ፈተውቲ ፍትሒ ዜጋታት፡ ነዚ መጽሐት ኣብ’ቲ ዘለኽምዎ ከባቢ ስለዘይበጽሕ፡ በዚ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ስለእትሻቐሉን፡ መንግስትን ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት፡ ከም ውጽኢቱ ዝተረኽበ ዓቢ ፍጻሜ፡ ብውጽኢቱ ዝህብና ረኺብዎ ዘሎ ፍናን፡ ንኽክትረኽቡ፡ ካብ ዝብል መንፈስ፡ ቅዳሕ ናይ’ታ ጽሕፍቲን ኩነታትን ንኽትከታተሉ፡ ቅድሓ እንሆ! ተወልደ ብእምነት-ኣስመራ

Source: Dehai



Sponsored Ads
Eritrean Police Capture Human Trafficking Fugitive Near Teseney Reviewed by Admin on 1:57 PM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.